ዓመታዊ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት
ዓመታዊ ክብረ-በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከተማ ሻርሎት ተኸቢሩ!
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ሎሚ ዓመትውን ብቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ኣ.ፈ (፲፩ ሕዳር ፳፻፲፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ንመበል 12ተ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
ንግደት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል, ሻርሎት
ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።
ቀጺልና ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት 21 ሕዳር (November) ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርህዎ ይሰፍር። ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም።" (መዝ 34፡7) ዝበሎ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ብጸሎት፥ እቶም ኣብ ከባቢና ዘሎኹም ድማ ብኣካል ተረኺብኩም፥ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ንግደት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል, ሻርሎት
ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።
ቀጺልና ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት 21 ሕዳር (November) ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርህዎ ይሰፍር። ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም። መዝ 34፡7 ዝበሎ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ብጸሎት፥ እቶም ኣብ ከባቢና ዘሎኹም ድማ ብኣካል ተረኺብኩም፥ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
Page 2 of 2